Translations and welcome packs

Tigringa

ኣገልግሎታት ምኽሪ

ብዛዕባ ስፍሕ ዝበለ ኣገልግሎታት ምኽሪ ሓገዝ፡ ደገፍ፡ ምኽርን ሓበሬታን ንህብ። ካብ ምኽራዊ ቀረጽን ረብሓ ኣባይቲን ክሳብ ማሕበራዊ ክንክን፡ ምዕሸጊ መካይንን ኣገልግሎታት ጓሓፍን ዳግመ ምስረሓን ዝዝርጋሕ ኣገልግሎት ምኽሪ ንህብ። ከምኡ’ዉን ብዛዕባ ኣገልግሎታት መዝገብ (ልደት፡ ሞት፡ መርዓ) ን፣ ብኸመይ ኣብ እዋን ምርጫ ድምጺ ንምሃብ ምምዝጋብ ከም ዝከኣል ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ናብ እንርከበሉ ማእከል ሊቨርፑል ዳይረክት (Liverpool Direct) ፣ 233 3000 ክትድውሉልና ትኽእሉ። እዚ ማእከል’ዚ፣ ምሉእ ዓመት ን 24 ሰዓታት ክፉት እዩ። ቋንቋ እንግሊዝ ቀዳማይ ቋንቋኹም እንተዘይኮይኑ፣ መስመር ኣገልግሎት ትርጉም ቋንቋ ክነቕርብ ንኽእል ኢና። ጽሙማን ወይ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለኩም ዓማዊልና፣ ናብ ናይ ጽሑፍ ስልኪ 225 3275 ክትድውሉ ትኽእሉ።

ከምኡ’ዉን ናይ ብርጣንያ ቋንቋ ምልክት ደረጃ 2 (British Sign Language Level 2) ስልጠና ዝወሰዱ ኣማኸርቲ ዝርከብዎ ብደውኩም አገልግሎት ክትረኽብሉ ኣብ እትክእሉ ሓደ ካብ መደበራትና ክትበጸሑ ትኽእሉ። ናይ ምስማዕ ጸገም ንዘለኩም፣ ተወሰኽቲ መሳለጥያታት፣ ከም ሓገዝ መስምዒ (induction loops) ዝኣመሰሉ፣ ኣብቶም ብደውኩም ኣገልግሎት ክትረኽብሎም እትኽእሉ መደበራትና (One Stop Shops ) ተዳልዮሙልኩም ኣለዉ። ኣብ ብደውኩም ኣገልግሎት ክትረኽብሎም እትኽእሉ መደበራት ብጽሑና።

እዞም ብደውኩም ሓገዝ ክትረኽብሎም እትኽእሉ መደበራት ክፉታት ኣብ ዝኾኑሉ እዋን ክትበጽሑና ትኽእሉ’ዃ እንተኾንኩም፣ ናይ ምክራዊ ቀረጽ ወይ ረብሓ ኣባይቲ ኣመልኪቶም ክህልዉኹም ንዝኽእሉ ሕቶታት፣ 233 3016 ብምድዋል ኣቀዲምኩም ቆጸራ ክትሕዙ ትኽእሉ ኢኹም።